120 ደቒቕ እቲ ሊቨርፑል ክትነግሰሉ ዝቐነየት ስታይል ናይ ማንቸስተር ዩናይትድ ኮይኑ በዛ ምሸት፡፡ 3ብ3 ናብ ፍጹም ቅላዕ ኣትዩ ዝተባህለ ጸወታ በቲ ዘይምሕር መልሰ መጥቃዕቲ መሳርያ ማንቸስተር ዩናይትድ 4ይቲ ሸቶ ኣመዝጊቡ ብጽንብል ብጫ ተደጊሙ ብቀይሕ ተባሪሩ፡፡
ሊቨርፑል ን4 ወናጩ ትሃድን ዝብል ኣርእስቲ በዛ ምሸት ናብ 3 ብዝብል ተቐይሩ ኣሎ፡፡ ሃድን ሓንቲ ዋንጫ ማንቸስተር ዩናይትድ ድማ ይቕጽል…ን2ይ ተኸታታሊ ዓመት ፍርቂ ፍጻመ FA CUP ረጊጻ፡፡
ንሊቨርፑልን ሲትን ካብ ናሕሲ ከተውርድ ድላይ እንተ’ልዪ ንከምዚ ዓይነት ጸወታ ብምዕዋት ኢኻ ትጅምሮ፡ ንስራሕ ኤሪክ ተንሃግ ናይ ምድሓን ዕዙዝ ተኽእሎ ዘለዋ ተዘካሪት ናይ FA CUP ጸወታ ኣብ ታሪኽ’ዘን 2 ክለባት እያ፡፡
ዩናይትድ ተሪፋ እንተ ትነብር መቸስ፡ ኣብ 94 ደቒቕ ምስ ሓላው ልዳት ከለሀር ተራኺቡ ሸቶ ዘባኸነ ራሽፎርድ ኣይምተረስዐን…ወላ’ኳ ኣብ ተወሳኺ ጊዜ መመዓራረይት 3ይቲ ሸቶ እንተ ኣመዝገበ፡፡ ኣንቶኒ’ኳ ተቐይሩ ኣትዩ ሸቶ ኣመዝጊቡን ንምክልኻል ሊቨርፑል ኣብ ስራሕ ጸሚዱን ተጻዊቱ፡፡
ሳላሕ ከም ልማዱ ንልዳት ዩናይትድ ንመበል 13 ጊዜ ደፊሩ ነይሩ እቲ ኣርእስቲ ግን ትሑት ግምት ተዋሂብዎም ንጸወታ ዝኣተውዎ ተንሃግን ተጻወቱን እዮም ምሉእ ክረዲቱ ዝወስድዎ፡፡
=>እንቋዕ ሓጎሰኲም ደገፍቲ ቀያሕቲ…ሰይጣውንቲ…!
credit journalist amanuel alazar